ነቲ ኣብ ኣስመራ ሚልዮናት ናይ ወጻኢ ባጤራ ከምእተዘምተ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ ሓንሳብ ካብ ባንክ ሓንሳብ ካብ ሂምቦል እናተባህለ ዓቐን ገንዘብን ፈጸምቱን እናተቐያየረ፡ ክናፈስ ዝጸንሐ ወረ ንምርግጋጽ ዝተወከስናዮም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ምንጭታት፡ እቲ ፍጻሜ ከምተኻየደ ብምጥቃስ፡ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሂምቦል ተባሂሉ ዝፍለጥ ማእከል ሸርፊ ህግደፍ፡ 10 ሚልዮን ዶላር፡ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ከምእተዘምተ ኣረጋጊጾም። ዛጊት ብልክዕ እቶም ነዚ ናይ ከተማ ዝምታ ዝፈጸሙ ኣዘዝቲ ብዓል መን ምዃኖም `ኳ ናብ ቃልዕ እንተዘይወጽአ፡ ጀነራል ፍሊጶስን ሰዓብቱን ዝብል ጥርጠራ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት የመልክቱ። እቲ ስርዓት ብቐንዱ `ውን ኣዘዘዝቲ ሰራዊቱ ባዕላቶም ነቲ ሚልዮናት ዶላራት ከምዝዘመቱዎ ፈሊጡ `ኳ እንተሎ `ዕልዋ ጥራይ ኣይግበሩ እምበር፡ ገንዘብ `ሲ ባዕሉ ይፈልጥ` ኢሉ፡ ከምዛ ዘይፈልጠ ኣጽቂጡ ምህላዉ `ውን ኣረዲኦም። ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ነቶም ከም ሓለውቱ ወይ ዓለውቱ ዝርእዮም ከም ብዓል ፍሊጶስ ዝኣመሰሉ ኣዘዝቲ፡ ናብ ስልጣኑ ጥራይ ኣይምጽኡዎ እምበር ዝገበሩ እንተገበሩ ግዲ ከምዘይብሉ ብተደጋጋሚ እዋን ዝተራእየ ተመክሮ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጉጅለ ፍሊጶስን ጉጅለ ውጩን ከም ብዓል ፍቕረን ሳምሶን ዝኣመሰሉ ሳተላይት ነጋዶ ኮይኖም ዝለኣኣኹዎም መንእስያት ብምውፋር ኣብ ዝገበሩዎ ናይ መን ሃብተመ ውድድር፡ ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ንዝነበረ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጸጥታ ኤርትራ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ብኣድራጋ ጠያይት ክቐትሉ ፈቲኖም ብኸቢድ ተወጊኡ ብህይወት ምስ ተረፈ ኳ፡ ነቶም ተለኣኣኽቶም እንተዘይኮይኑ፡ ነቶም ዝገበሉ ዋናታት ቀየስትን ሃንደስትን ናይቲ ሽፍትነት ዝኾኑ ፍሊጶስን ውጩን ብሒም ኣይበሎምን። እኳ ደኣ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ መዓርግን ስልጣንን ውሲኹዎም። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ህዝቢ ዝህውኽ ዘሎ ናይ ዎር ሎርድስ ዓመጽን ሽፍትነትን በብግዚኡ እናሳዕረረ ኸሎ ስቕ ኢሉ ምርኣዩ፡ እቲ ንርእሱ ኣብ ዓዲ ሓሎ ተሸጒጡ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ነገር ናብ ስልጣኑ ክሳብ ዘይመጽአ ቅሳነትን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ድምብርጽ ከምዘይብሎ ዘርኢ ኣብነት እዩ።

ነቲ ኣብ ኣስመራ ሚልዮናት ናይ ወጻኢ ባጤራ ከምእተዘምተ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ ሓንሳብ ካብ ባንክ ሓንሳብ ካብ ሂምቦል እናተባህለ ዓቐን ገንዘብን ፈጸምቱን እናተቐያየረ፡ ክናፈስ ዝጸንሐ ወረ ንምርግጋጽ ዝተወከስናዮም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ምንጭታት፡ እቲ ፍጻሜ ከምተኻየደ ብምጥቃስ፡ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሂምቦል ተባሂሉ ዝፍለጥ ማእከል ሸርፊ […]

This post originally appeared on assenna.com. Click here to read more....

Be the first to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.


*